ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ፍናን ንማሕበረሰብና ናይ ምኽርን ሓበሬታን ኣገልግሎት ብስሩዕ መደብ ካብ 5 ነሓሰ 2020 ጀሚራ ሰሙናዊ ረቡዕ፡ረቡዕ ናይ ክልተ ሰዓት ኣገልግሎት ካብ 7:00PM ክሳብ ሰዓት 9:00PM ብዙም ZOOM ኣቢላ ክትህብ ምዃና ብትሕትና ተበስር።
ኣብዘን ሰዓታት ፍናን ሰብ-ሞያ ወለንተኛታታ ቀሪባ፡
ንቤተሰብ ዝምልከቱ ማሕበራዊ ጉዳያት ፍታሕ ከተናዲ
ዓርከ-ተምሃርነት ኣስፊና ቀጻሊ ድጋፍ ንመንእሰያት ክትህብ
ህጻናትና ብግቡእ ክህነጹ ዝበለጸን እዋናዊን ሓበሬታት ከተወፊ
ኣእሞሮኣዊ ግንዛቤታትና ከነዕቢ ክትላቦ
ነብስና ኣማዕቢልና ከመይ ኣቢልና ናብ ስራሕ ዓለም ከምነምርሕ
ብኸመይ ህይወት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክንመርሕ ከምእንኽእል
እዚኦምን ነዚኦም ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት፡
መልሶም ምሳኹም ሓቢራ ክትፍትሽ ተቐሪባ ኣላ።
በረኸትኩም ኣይፈለየና።
FNAN Zoom drop-In:
Room: 97871611926
Every Wednesday 7:00PM - 9:00PM GMT
ረቡዕ፡ረቡዕ 7:00PM -9:00PM